ሞት 40 ሓራምዝ ኣራት-ኪሎ ዘኸተለ ዓውደ-ውግእ (4ይ-ክፋል)

[ad_1]

ኣብ ዓንቀጽ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ኣብ መጥቃዕቲ ሽረ (ለካቲት 1989) ናይ ዝተሳተፉ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባርን ጕዕዞኦምን ኣላሊና፡ ኣብቲ ግንባር ምስ በጽሑ ዝግባእ ሓበሬታዊ መግለጺ ድሕሪ ምስማዕ፡ ሜካ 74 ቦታ መዳፍዑን ዝወቕዖ ሸቶን፡ ኣነጺሩ ረሻሻቱን ታንክታቱን ዝስለፈሉ ኣንፈታት እውን ምስ ኣጋር ሰራዊት ብርጌድ 19 ከም ዘተኣሳሰረ፣ ኣንጻር ሓደ ኣጋር ብርጌድ ህዝባዊ ግንባር ብዛዕባ ዝገጥም ዓቕሚ ብርጌዳት 4ይ ክፍለ ጦር ጸላኢ ከም ዝተዘርዘረ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ወያነ ክጅመር ከም ዝነበሮ፡ ግን ካብ ዝተወሰነሉ ግዜ ተደናጕዩ ወጋሕታ ሰዓት 3፡00 ከም ዝጀመረ፣ ድሕሪ ምጅማር ሰራዊት ወያነ፡ ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብርጌድ 19 ናይ ህዝባዊ ግንባር ፍርቂ ሰዓት ጸኒሓ መጥቃዕታ ከተስምር ነይሩዋ፣ እቲ ቦታ ከምቲ ብኽሻፋ ዝተዓዘቡዎ ጥጡሕ ዘይኰነስ ብዙሕ መሰናኽል ስለ ዝጸንሖ ግን፡ እታ ቦጦሎኒ ደንጕያ ግዜ ምስ በርሀ ቀዳማይ ሸቶኣ ከም ዝሓዘቶ ተሪኽና ኔርና። መቐጸልታ ናቱ እንሆ፤

ቦጦሎኒ 119 ካብ ቀዳማይ ሸቶ ሓሊፋ ናብ ካልኣይ ሸቶ ክትስጉም እንተዀይና፡ ብቐዳምነት እቲ ጸጋማይ በሪኽ ቦታ ብወያነ ክታሓዝ ነይሩዎ። ሰራዊት ወያነ ግን ኣመና ተደናጐየ። ሓደ ካብቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገም፡ ናይ መራኸቢ ራድዮ መሳርሒታቶም ካብ ኣቃውማ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ጥራይ ይዓጥቁዎ ብምንባሮም እዩ። ኣብ ደረጃ ሓይሊ (ውዳበ ሰራዊት) ስለ ዘይተዓጥቀ፡ ምስ የማነ-ጸጋም ተወሃሂድካ ኣብ ምስራሕ ሓላፍ-ዘላፍ ተፈጥረ።

መደብ ቦጦሎኒ 219፡ ቦጦሎኒ 119 መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማራ እዩ ክትሃጅም ተነጊሩዋ። ግን፡ እዛ ቦጦሎኒ’ዚኣ ብግብሪ ምንቅስቓ ክትጅምር ከላ እቲ ግዜ ኣዝዩ ተሰራሪቑ ዳርጋ ረፊዱ ነበረ። ከይበርሀ ኸሎ ናብ ቀዳማይ ሸቶኣ ክትበጽሕ ምሉእ ኣቓልቦኣ ንቕድሚት ገይራ እናሰጐመት ከላ፡ ካብ ጸላኢ መሰናኽል ኣጋጠማ። ወተሃደራት፡ ንቕድሚት ሓሊፎም ኣብ መንገዲ ስለ ዝጸንሑዋ ኣብ ዘይተጸበየቶ ቦታ ውግእ ገጠመት። ነቲ ኣብ ድብያ ከእትዋ ዝፈተነ ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሳ ብምቕጻል፡ ንቐዳማይ ሸቶ ተቖጻጺራ ናብ ካልኣይ ሸቶ ምስ ተጸግዐት’ውን ካልእ ብድሆ ተፈጥረ፣ ድፋዕ ጸላኢ ኣብ ሰለስተ ዙርያ ዝተሃንጸ ድልዱል መከላኸሊ ኮይኑ ጸንሓ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ምልቃቕ ቀዳማይ መስመር ዝነበረ ናህሪ ስለ ዘይተዓቀበ፡ ጸላኢ ኣብ ዝተመደበ ግዜ ካብ ካልኣይ ሸቶ ተጋዳላይ ክለቅቕ ኣይከኣለን።

ብወገን ቦጦሎኒ 319 ዝነበረ ምዕባለ ድማ፡ ድሕሪ ምጅማርን ምዝርጋሕን ናይተን ክልተ ቦጦሎኒታት ክትዝርጋሕን ከተጥቅዕን መደብ ተዋሂቡዋ ኣብቲ ውግእ ተሰለፈት። በቲ መምርሒ መሰረት’ውን ምስ ቦጦሎኒ 219 ተኣሳሲራ ክትንቀሳቐስ ጀመረት። ጸላኢ፡ መሬት ኣብ ምብርሁ ድፋዑ ገዲፉ ንድሕሪት ስለ ዝሃደመ ጽቡቕ ሰጎመት። ግን ምስ ዘይምልቃቕ እታ ብሸነኽ 219 ዝነበረት ናይ ጸላኢ ቦታ፡ ናህራ ዓቂባ ክጐይን ክትቅጽልን ኣይከኣለትን። ዝነበረታ እንኮ ምርጫ፡ ብጸጋም ዝነበረ ኣሰላልፋ ኣብ ባይታ ለውጢ ክሳብ ዘምጽእ፡ ኣብ ዘላቶ ኮይና ንፈተነታት ጸላኢ ክትዓግት ጥራይ ነበረ።

ስለ’ዚ ካብ ቦጦሎኒ 119 የማን ዝነበረ ይዅን ብጸጋም ዝተሰለፉ ሓይልታት፡ ንቕድሚት ክግስግሱ ኣይከኣሉን። እቲ ምዕበል ኣብ ከምዚ ዝበለ ደውታ ኸሎ እምባኣር’ያ ቦጦሎኒ 119 ናታ ናይ መጥቃዕቲ ተበግሶ ዝወሰደት። እታ ቦጦሎኒ፡ ነቲ ብቐረባ ብኣሉታ ክጸልዋ ዝኽእል ጎድናዊ ቦታታት ኣብ ቍጽጽራ ኣእትያ ናብ ካልኣይ ሸቶኣ ክትቅጽል ፈተነት። ግን፡ ኣይተኻእለን። ሰራዊት ወያነ፡ ነቲ ብቐንዱ ቀዳማይ ሸቶኦም ገና ኣይተቘጻጸሩን ስለ ዝነበሩ ጸጋም ሸነኽ ዝያዳ ብኣሉታ ጸለዋ። ሰራዊት ወያነ፡ ኣሃዱታት ታንከኛን ረሻሽን ክሳብ ዝድረቦምን ዳግመ ምውድዳብ ኣብ ምግባርን ግዜ መጠጡ። ጸላኢ፡ ነቲ ናይ ምድንጓይ ኵነታት ናብ ረብሓኡ ንምቕያሩ ጽቡቕ ገይሩ መዝመዞ። ኣርባዕተ ታንክታት፡ ክልተ ረሽራሻትን ነፈርቲ ውግእን ምስ ሓደ ሻለቃ ኣጋር ሰራዊት ኣጋዲሙ ጸረ- መጥቃዕቲ ገበረ። በዚ ምኽንያት፡ እታ ቦጦሎኒ 119 ናይ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብቲ ተወርዊራ ኣትያቶ ዝነበረት ቦታ ንድሕሪት ናብ ቀዳማይ ሸቶ (መቓብር ኣስላም) ክትምለስ ግድን ኰነ። ጸላኢ በዚ ተተባቢዑ ኣሰር’ታ ቦጦሎኒ ስዒቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ መድፍዓጅታት ቢተን ኣጋር ከቢድ ብረት ህዝባዊ ግንባር ብዝወሰዲ ሓያል ተቓውሞ፡ ክልተ ታንክታት ኣቃጸለ። ድሕሪ’ዚ ጸላኢ ናህሩ ገቲኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንድሕሪት ክምለስ’ውን ተገደደ። ኣብዚ ውግእ’ዚ እታ ቦጦሎኒ ከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ኣጋጠማ።

ኣብታ ጸላኢ ከቢድ ጸረ-መጥቃዕቲ ዝፈነወላ ረፋድ፡ ጸረ ኣየር ረሽራሽን ሰለስተ ካብተን ብታንከኛ ኣሃዱ ህዝባዊ ግንባር ተዓጢቐን ዝነበራ ታንክታት ወያነን ብጸረ- ታንኪ ጸላኢ ተሃሪመን ዓነዋ። እተን ወያነ ኣለዋና ኢሎም ንታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር ዝቐረቡሎም ኣርባዕተ ዝዀና ታንክታቶም ኵለን ክሳራ ኮይነን ተረፋ። ምኽንያቱ፡ ቀዳማይ ዝነበረ ጸገመን ብረተን ፍጹም ኣይተተስፈረን፣ ናብ ቅድሜኻ ዘሎ ዕላማ ኣነጻጺርካ ዝተኮስካዮ ቦምባ፡ ካብ ክሊ ዓውደ- ውግእ ወጺኡ ክሃልል’ዩ ተራእዩ። ካልኣይ ጸገሙ፡ ጸረ-ታንኪ ቦምባታት ኣይነበረንን። ኣብ ውዱእ ግዜ ስለ ዝተዓጥቃ ድማ፡ ክኢላታት ታንኪ ህዝባዊ ግንባር ምትዕርራይ ዝገብሩሉ ግዜ ኣይነበሮምን።

ኵላቶም ህሩማትን ስዉኣትን ተጋደልቲ ቦጦሎኒ 119፡ ብጸጋማይ ጎድኖም ተሃሪሞም ዝወደቑ እዮም። ካብቲ ኣቐዲሙ ብሰራዊት ወያነ ክጸሪ ዝነበሮ ብጸጋማይ ሸነኽ ካብ ዝነበረ ድፋዕ ጸላኢ ዝተወርወረ ጠያይቲ ሃስያ ወሪዱዎ። ጸላኢ፡ ረሽራሻትን ዶሽካታትን ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ማእከል ቃልዕ ጎልጐል ዝወረደ ተጋዳላይ ብኸቢድ ኣጥቂዑዎ።

ክፍለ ሰራዊት ለካቲት ወያነ፡ ገና ሰዓት 10 ከይኣኸለ ቁምነገር ከየፍረየ ብንግሆኡ ዓቕሙ ጸንቂቑ ደው ስለ ዝበለ’ዪ እቲ ዅሉ ጸገም ዝሰዓበ። ተወሳኺ ጸገም፡ እቲ ካብ ወያነ ዝተዓጥቀ ዙ-23 ኣብ ወተሃደራዊ መኪና ዝተጻዕነ ጸረ-ነፋሪት ይዅን እተን ብሃታሃታ ዝተዓጥቃ ታንክታት፡ ኵላቶም ከየድምዑ ነቶም መድፍዓጂታት ተጋደቲ ህዝባዊ ግንባር ለኪሞም ብጸላኢ ተሃሪሞም ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃኖም፡ እቲ ኣደራዕ ኣብተን ሓይልታት ወረደ።

ክፍለ-ሰራዊት ለካቲት ወያነ፡ ዳርጋ ምስ ቀተረ፡ ነታ ምሉእ ረፍዲ ጥልዕ ጉንብስ ከተብሎም ዝወዓለት ቀዳመይቲ ሸቶኦም ተቘጻጸሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት፡ ቦጦሎኒ 119 እውን ዳግማይ መጥቃዕታ ኣወሃሂዳ ክሳብ እግሪ ዳኖሳ (ሳልሳይ ሸቶ) ክትበጽሕ ከኣለት። እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን እተን ካብ ቦጦሎኒ 119 ሸነኽ የማን ዝተሰለፋ ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ 19 ንድሕሪት ተጸፍዓ። ጸላኢ፡ ነቲ እተን ሓይልታት ተቘጻጺረንኦ ዝነበራ ቀዳማይ ሸቶ መንጢሉ ኣብ ካልኣይ ሸቶ’ውን ስለ ዝተዓወተ ተስፋ ረኸበ። በቲ ብምዕራባዊ ጎላጕል ዝረኸቦ ዓወትን ሞራልን ተደፋፊኡ ኣብ ክንፊ ሰሜናዊ ምዕራብ ንምድጋሙ ተወሳኺ ፈተነ ኣካየደ።

ነቲ ወያነ ኣብ ከባቢ ፋዱስ ዝመንጠሉዎ ታባን ቦጦሎኒ 119 በጺሓቶ ንዝነበረት ሸቶታትን ንምምላስ፡ ሰለስተ ታንክታት፡ ሰለስተ ረሽራሻትን ሓደ ሻለቃን ኣሰሊፉ ጸረ-መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣብዚ ሰዓት’ዚ እቲ ንተጋደልቲ ከም ጸረ-ታንክ ከገልግሎም ዝወዓለ ቢ-10 ቦምባታቱ ስለ ዝወድአ ክቃወም ኣይከኣለን። ታንክታት ጸላኢ ብዘይ ተቓውሞ ኣብቲ ጎልጎል ከዅድዳ ዕድል ረኺበን ንሰራዊት ወገን ኣብ ከበባ ከእትዋኦ ደለያ። ግን፡ እቲ ብየማን ሸቶታቱ ተመንጢሉ ዝጸንሐ ቦጥሎኒታት 219ን 319ን ዘየላቡ ጸረ-መጥቃዕቲ ከፊቱ ንጸላኢ ኣፍሪሱ ንቕድሚት ገስገሰ’ሞ ነቲ ክጽንክር ጀሚሩ ዝነበረ ኵነታት ኣርህው ኣበሎ። እቲ ኣብ ወገን ጸጋም ጸቕጢ ፈጢሩ ዝጸንሐ ጸላኢ በታ ዝመጽኣ ንድሕሪት ክምለስ ስለ ዝተቐስበ፡ ኵነታት ተቐየረ። ውግእ ድማ ዘፍ ኢሉ ደው በለ።

እቲ ውግእ ደው ምስ በለ፡ ኣብቲ ግንባር ዝነበረ ዳርጋ ዅሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ “ኣብዚኣስ ከይተዓወትና ክንምለስ ኢና ማለት ድዩ?” ዝብል ስክፍታዊ ምዕዝምዛም ከስምዕ ጀመረ። ግን እቲ መደብ ኣብ ቦታኡ ነበረ። ተጋደልቲ፡ ማዕረ’ቲ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ቅልጡፍ ናይ ምጥቃዕ ዳግመ ምውድዳብ፡ ምጥርናፍ ስዉኣትን ውጉኣትን እውን ኣጻፈፉ። ድሕሪ’ዚ እቲ መጥቃዕቲ ሰዓት 16፡00 ክቕጽል ተወሰነ።

ኣብቲ ናይ ሰዓት ኣርባዕተ ምሸት ዝካየድ ካልኣይ ገጽን ዛዛምን መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን፡ ካብ ኵሉ መኣዝን ናይቲ ግንባር ብሓንሳብ ሓፍ ኢሉ ንቕድሚት ከም ዘጥቅዕ ተገብረ። ኣብ ጀማሪ ስጉምቲ ራድዮታት ርክብ ብርጌድ 19 ጫቝጫቝ ምስ ኣብዝሓ፡ ኣዛዚ ብርጌድ ዓፋን፡ “ኵልኻ ዘረባ ኣቋርጽ! ብዘይካ’ቶም ኣብ ስራሕ ኣትዮም ዘለው፡ ኵልኻ ኣቋርጽ!” ምስ በለ ማዕበል ርግእ በለ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ብምብራቕ ዝተሰለፈ ኣሉላ ክፍለ-ሰራዊት ወያነ ናብ ታባ ወያናይ ጽንዓት ክግስግስ ከሎ፡ ካብ ሜካ ክፍለ ሰራዊት 74 ድማ ሓንቲ ሮኬት ቦምባ ቢኤም 21 ተኲሱ ኣብ ፎርቶ ንዝነበረ መኸዘኒ ኣጽዋር ጸላኢ ኣባርዖ። ቦጦሎኒታት ብርጌድ 19 ብፍጥነት ንቕድሚት ተወርወራ። ጸላኢ ፍጹም ተዳሂሉ ኣብ ከተማ ንብረቱ ከቃጽል ተራእየ። ሰራዊቱ’ውን ዝባኑ ሂቡ ናብ ኣባጉና (መገዲ ተከዘ) ገጹ ተፈርሸሐ። ካብ ሰዓት 18፡00 ዳኖሳን ፈርቶን ብዘይ ጸገም ኣብ ቍጽጽር ወገን ኣተዋ። ኣዛዚ ብርጌድ ዓፋን ድማ፡ “ተልእኾና ወዲእና ስለ ዝዀንና፡ ወያነ እንተደልዮም ይስዓቡወን፡ ንስኻትኩም ደው በሉ” ዝብል መምርሒ ኣመሓላለፈ።

ኣብዚ ውግእ’ዚ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ስዉኣቱ ባዕሉ ቀቢሩን ቍሱላቱ ባዕሉ ኣልዓለን። ኣብቲ መጀመርታ ከምቲ ዝተባህለ ውጉኣት ዘልዕል ህዝቢ መጺኡ’ኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ውግእ ድሕሪ ምጽዕጻዑ ግን እቶም ዝተመደቡ ገባር ተሰዊሮም ጠፍኡ። ስለ’ዚ ብፍላይ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ ሽረ ተጋዳላይ ንድሕሪት ናብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ግንባር ተመሊሱ ብግቡእ ስውኣቱ ቀበረ።

ኣብቲ ዕለት’ቲ ወያነ ብራድዮ ፈነወኡ የመሓላልፎ ካብ ዝነበረ ዜና፡ ካብቲ ኣብ ሽረ ዓስኪሩ ዝነበረ ጠቕላላ 12 ሽሕ ሰራዊት ናይ 604 ኮር ሰራዊት ደርግ 10 ሽሕ ከም ዝተደምሰሰ ገሊጻ። ነቲ ዘይድፈር ዝነበረ ሰራዊት ካብ 11 ክሳብ 12 ለካቲት 1981 ዓመተምህረት ግእዝ፡ ከም ዘይነበረ ኰይኑ፡ … እናበለት፡ እንከላይ ንተሳትፎ ህዝባዊ ግንባር ብኣድናቖት ገለጸት።

ጸላኢ፡ ሽረ ኣብ ኢድ ወያነ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ነዊሕ ከይደንጐየ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊቱን ትካላቱን ጠቕሊሉ ብምስሓብ፡ “መቐለኸ ኣየነይቲ ምዕብልቲ ከተማ ኮይና’ያ፡ ካብ ጠሓኒት እኽሊ ወጻኢ ትካል ዘይብላ ድሕርቲ ከተማ” እናበለ፡ ከምቲ ውኻርያስ ዘቢብ ክትበልዕ ደልያ፡ ግን ካብ ላዕሊ ከተውርዶ ሰኣን ዓቕማ ምስ ተረፋ፡ “እንታይ ኣድከመኒ፡ ዒራ መጺጽ’ዩ” ኢላ እናተባህለ ዝምሰል’ዩ ገይሩዎ።

ሳልሳይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ምስ ወጽአ፡ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ብሸነኽ ደቡብ ንፋስ መንጠሌን ክወቕዖ ጀመረ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ትግራይ ሰራዊት መንግስቲ ምህላው ንኻልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ብዘይመጠን ኣገዳሲ ነይሩ። ካብ ማእከል ሃገር ክመጽእ ንዝኽእል ኵሉ ዓይነት ዕደላ ኣብ ክንዲ ብሰማይን ብባሕርን ጥራይ ምጽባይ መስመር ትግራይ’ውን ምስ ብዙሕ ጸገማቱ ሳልሳይን ቀንድን ኣማራጺ’ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ናብ ሰሜን ዝቐንዐ መከላኸሊ ግንባር ጸላኢ፡ ሕጂ ናብ ደቡብ ዝጠመተ ሓድሽን ዝጸንዐን ግንባር ክምስርት ክግደድ እዩ። ምኽንያቱ፡ ትግራይ ብምልኡ ካብ ህላወ ሰራዊቱ ናጻ ስለ ዝወጽአ፡ ሻዕብያ ታንክታታን መዳፍዓን ብምዕራብ ኤርትራን ትግራይን ጠውያ ብምስላፍ ብዅሊቱ ክትዘብጦ እያ።

እዚ ነገር’ዚ ካብ ዓንተቦ ኣስተብሂልናሉ ኔርና ዝብሉ ናይ ሽዑ ላዕለዎት መኮነናት ናይ ሕጂ ጥሮተኛታት ደርግ፡ ነቲ ዅነታት ኣምሪሮም ይነቕፉዎ። ብ1988- 89 ሰራዊቶም ኣብ ሽረ ተኣጒዱ ከም ዝቕመጥ ምግባሩን ተመኵሮ ውግእ ብዘይነበሮ ትግራዋይ ሻንበል ለገሰ ኣስፈው ምምርሑን ዓቢ ክሳራ ክስዕብ’ዩ እናበልና ነእውን ንሕብርን ኔርና። ግን ዝያዳና ሓሳብ ናይቲ ኣብ ኣዲስኣበባ ኮይኑ ንውግእ ሽረ ዝመርሕ ዝነበረ ለገሰ ኣስፋው ይስማዕ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሰራዊትና ኣብ ከበባ ሻዕብያን ወያነን ኣትዩ ተበሊዑ ተሪፉ፡ … እናበሉ ምኽኒት እናደረሱ ሕሉፍ ውርደቶም ንምዕራይ ክልፍልፉ ይስምዑ።

ይቕጽል

ኣርካን

መላግቦ ዘመን ሕሉፍን መጻእን

ኣርካን ቅናት ምድሪ ሓባሪ መኣዝን

ሓገዝ ኣይደለኻን እንጉታን መሶጥን

ብውጥን ትምራሕ ነብስኻ ትኣምን

ይዅን ዝበልካዮ ግድን’ዩ ዝኸውን።

ካብ ሳሕል ነቕልካ ሽረ ከተዕርፍ

ተልእኾ ኔሩካ ህጹጽ ዘይተርፍ

እዋናዊ ጕዳይ ካባኻ ዘይ ሓልፍ

ደርሆ ነቆ ምስ በልካዮም ውትፍ

ስምካ’ዩ ጸበሎም ሓቂ ዘለፋልፍ።

መድሕን ንውጹዓት መንጸሮር ገዛእቲ

ፍትሒ ከተንግስ ከፊልካ መስዋእቲ

ኣድማስ ጭርሖኻ መሰል ዲሞክራሲ

ናይ ሓባር ጸላኢ ብናይ ሓባር ቃልሲ

ንሕቶ ጭቁናት ረኺብካሉ መልሲ።

ዋልታ ሓፋሽ ኢኻ ምቕሉል ተጋዳላይ

ኣየጓነኻያን ውጽዕቲ ኣደ ትግራይ

ፋሽሽታዊ ሕሰም ጸሪግካላ ኣባይ

ባዕላ መሪቓስ ሂባትካ ንመራቓይ

ደምካ ደመ ስምኦን ዓሪጉ ንሰማይ።

ሓደ ንሰለስተ ክትገጥም ብሓይሊ

ሰለም ከየበልካ ሓዲርካ ብዓቕሊ

ነቲ ምውት መሬት ሰጊርካ ብሃልኪ

ማሪኽካዮ መድፍዕ ሰሊብካያ ታንኪ

ዋጋ ከፊልካሉ ንኡስ ዓይነ ብርኪ።

እቲ ውዑይ ርሃጽ ጠሉ ከይ ሃፈፈ

ድኹም ኣካላቱ ሓንሳብ ከይዓረፈ

ሓመድ ናይ ኣእጋሩ ገና ከይ ተነግፈ

ጥርዓን ግምባር ሽረ ረዳት ንወያነ

ብድሆ በለ ኣርካን ወሲዱ ውሳነ።

ስለያን ሃንደሳን ደባይ ተዋጋእትን

ኣጋር ከቢድ ብረት ታንከኛን ረሽራሽን

ከም ከልብን ሰሳሓን ምስ ኮነ ሃድን

ንስኻ ክትቁሽምድ ጸላኢ ክሃድም

ዘርእኻ ጥራይ’ዩ ታሪኽካ ዝደግም።

ዕርዲ ድሕሪ ዕርዲ በቢ ክፋላቱ

ቀዳማይ ፈሪሱ ምስ ዋርድያታቱ

ካልኣይ ሓይሉ ቍሩብ ተጻኒሑ

ሳልሳይ መምርያ ድሮ ተበጺሑ

ሽረ ሓራ ወጺ ኣ ነገር ተወዲኡ።

ተጋ/ት ብርኽቲ ኣብርሃም መ/ደንደን

[ad_2]

Source link

You may also like...

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *